ኣብ ሰሙናዊ ናይ ESOL (እንግሊዝኛ ንተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት) ትምህርትና ዝሳተፉ መንእሰያት፡ ብዛዕባ ኣብ ለንደን ስደተኛ ኮይኖም ዘሕለፍዎም ተመክሮታት፡ ካብ ዓዶም ርሒቖም ዝገበሩን ንኻልኦት ከማኦም ዝኣመሰሉ መንእሰያት መልእኽትታትን ዝገልጽ ግጥምታት፡ ዛንታታት፡ ፈጠራዊ ጽሑፋትን ስእልታትን ዝመልአ ዚን ፈጢሮም ኣለዉ።
ቴማ ሰሙን ስደተኛታት ናይዚ ዓመት ማሕበረሰብ ኮይኑ፡ በዚ ዛንታታት ኣቢልና ድማ ማሕበረሰብ ነቶም ኣብ ለንደን ገዛ ኣልቦነት ዘጋጥሞም ዘሎ መንእሰያት ስደተኛታት እንታይ ማለት ምዃኑ ንፈልጥ። ብዛዕባ ተስፋ፡ ዕርክነት፡ ፍቕሪ፡ ሮሞዳን ምብዓል፡ ዘጋጥሞም ሽግር፡ ናፍቖትን ዋንነትን ይዛረቡን ነገራት ከም ዝሓይሹ ይኣምኑን።
ንዚን ኣብዚ ብምጥዋቕ ርኣዩ :
ወይ ድማ ነቲ ቀሊል ፒዲኤፍ ኣብዚ ኣንብብዎ ።