ጋንታና ንዝተገደዱ መንእሰያት ረሳሕ ድቃስ ትሕግዝ። እዚ ማለት ኣብ ናይ ለይቲ ኣውቶቡሳት ትሓድር ኣለኻ፣ ኣብ መናፈሻታት ወይ ትካላት ንግዲ ተሓቢእካ ወይ ኣብ ጎደናታት ትድቅስ ማለት ክኸውን ይኽእል።
ውሑስ እንተዘይኮይንኩምን ዝኸድኩምዎ ቦታ እንተዘይብልኩምን ርኸቡና።
ኣብ ዘለኹሞ ክንራኸብ ኢና፡ ዘድልየኩም ሒዝናልኩም ክንመጽእ ኢና፡ ብዝተኻእለ መጠን ድማ ቀልጢፍኩም ናብ መንበሪ ገዛ ክትኣትዉ ክንሕግዘኩም ኢና።
መንእሰያት ናብ ህጹጽ ምቕራብ ከምኡ’ውን ናብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሑ ገዛውቲ ንደግፍ።