ኤም. ዲ. ወለንተኛታት ነቲ ኣብ ማእከልና ዝነበረ ስፍራ ኣታኽልቲ ለውጢ ገበሩሉ።
ኒው ሆሪዝዮን ነቶም ግዜኦም ኣብ ማእከልና ኣታኽልቲ ንምክንኻን ግዜ ዝሃቡ መርክ ሻርፕ ኤንድ ዶም (ኤም. ኤስ. ዲ.) እቲ ናይ ቅድሚት ስፍራ ኣታኽልትና ነቶም ግዳም ሓደር ዝዀኑ መንእሰያት ናብቲ ኪንግስ ክሮስ ዝበሃል ቦታ ንኽኣትዉ ባህ ዘብል ሃዋሁ ንኽፈጥረሎም ሓጊዙ ኢዩ።
ካልእ ዚኸዶ ቦታ ንዘይብሎም 16-24 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኣገዳሲ ደገፍ እንገብረሎም መርበብ ሓበሬታ ኢና። በቲ ኣብ ማእከልና ብኢንተርነትን ብጕጅለ ዄንና እንህቦ ኣገልግሎት ኣቢልና ኣብ ለንደን ኣብ ዓዓመት 16-24 ዝዕድሚኦም ግዳም ሓደር ዝዀኑ 1,200 መንእሰያት ንድግፍ ኢና። ጥዕናኦምን ቍጠባዊ ዅነታትን ንምምሕያሽን ናብ ቤቶም ኪምለሱሉ ዚኽእሉ ድሕንነት ንምርካብን ምሳታቶም ንሰርሕ ኢና ።
እቲ ኣብ ኪንግስ ክሮስ ዘሎ መዓልታዊ ማእከልና ማእከል ናይቲ እንገብሮ ነገራት ኰይኑ ኣሎ እዚ ድማ ነቶም ካልእ ቦታ ዘይብሎም ናባና ዝመጹ መንእሰያት ሰላማዊ ቦታ ይህቦም ኣሎ ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሰሙን 4 መዓልቲ ኽፉት ኰይኑ ካብ 418 መንእሰያት ከኣ 1,427 ምብጻሕ ተገይሩልና ኣሎ ። ኣብ ለንደን ግዳም ሓደር ዝዀኑ መንእሰያት ካብ መሕጸብ ነብስን መሳለጥያታት ሕጽቦን ውዑይ መኣዛታት ዘለዎ ምሳሕን ተበጊሶም ስራሕ ንምርካብ ናብ ቤቶም ንምምላስ ከምኡውን ጥዕናኦምን ድሕንነቶምን ንምምሕያሽ ዜድልዮም ዘበለ ኺረኽቡ ዚኽእሉላ እንኮ ቦታ እያ።
"ሰራሕተኛታት ኤም. ኤስ. ዲ. ግዳም ሓደር ዝዀኑ መንእሰያት ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ብቐዳምነት እዮም ዚርእይዎ። ስለዚ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ጽብቕቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ምልኩዕ ዕምባባታት ምጥራይ ብሓቂ ባህ ዘብል ኢዩ! መንእሰያት እተወሰነ ኣታኽልትን ኣሕምልትን ኬፍርዩን ፍርያት ኣብ ምግቢ ኺጥቀሙን ዚርእዩሉ ፕሮጀክት ኣታኽልቲ ንምጅማር እውን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ"
ስቲቨን ቦል ብርእሱ ዚመሓደር ሰራሕተኛ
ኒው ሆሪዝዮን ን2021/2022 ናይ ኤም. ኤስ. ዲ. እዚ ወፈያ እዚ ነቶም ግዳም ሓደር ዝዀኑ መንእሰያት ብቐጥታ ንምድጋፍ እዩ ዚግበር ዘሎ ። ብገምጋም 40 ሚእታዊት ካብቶም ኣገልግሎትና ንመጀመርታ ግዜ ዝጥቀሙ መንእሰያት ካብ ጥቅምቲ 2021ክሳዕ 31 ግንቦት 2022 ኣብ ዘሎ እዋን ንኣእምሮኣዊ ጥዕናን ጥዕናን ደገፍ ከም ዘድልዮም ይነግሩና ኢዮም ።